ምምሕዳር ቅርሲ ሓዋርያዊ መንበር፡ ኣብ 2023 45.9 ሚልዮን መኽሰብ ረኺቡ
ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን
ምሕደራ ቅርስን ብቕዓት ኣገልግሎትን ምምሕያሽ፦ ምስዚ ዝተበጽሐ ሸቶታት እዚ ምምሕዳር ቅርሲ ሓዋርያዊ መንበረ ብተቖጻጸርቲ ኣካል ዝጸደቐ፡ ናይ 2023 ዓ.ም. ስልዕቲ ኣቕሪቡ። እቲ ቀንዲ ዝርአ ጭብጥታት ውጽኢት ናይቲ ኣብ 2023 ዓ.ም. ዝተኻየደ ንጥፈታት ኮይኑ፡ 45.9 ሚልዮን ኤውሮ መኽሰብ ከም ዘመዝገበን፡ እዚ ድማ እቲ ቤት ምሕደራ ቅርሲ ሓዋርያዊ መንበር ንሮማዊ ኩርያ ብምድጋፍ ንተልእኾ ር.ሊ.ጳ. 37.9 ሚልዮን ኤውሮ ከበርክት ከም ዘኽኣሎን (ኣብ 2022 ዓ.ም. ንተልኾ ተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስ 32.27 ኣበርክቶ ገይሩ ከም ዝነበረን)፣ ንብረቱ ድማ ብ7.9 ሚልዮን ኤውሮ ወሰኽ ከም ዘርኣየን፡ “እዚ ውጽኢት እዚ - ኣቦ መንበር ቤት ምሕደራ ቅርሲ ሓዋርያዊ መንበር - APSA ሊቀ ጳጳሳት ጆርዳኖ ፒቺኖቲ ይብሉ ኣብ ዝሃብዎ ጋዜጣዊ መገለጺ - ንሃብቲ ቅድስቲ መንበር ከይጸለዎን ትካላዊ ንብረት ንመሸጣ ከይተገመተን ብቐጻሊ ናብ ወሰኽ ዋሕዚ እቶት፣ ወጻኢታት ንምሽፋን ክንሰርሕ ኣለና ብዝብል እምነት ናይ ዝፈጸምናዮ ዕዮ እዩ” ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።
ምሕደራ ዋሕስ
እቲ ዝተሓትመ ጸብጻብ ሚዛን ሒሳብ ዝርዝር፡ ሓፈሻዊ ትሕዝቶ ናይቶም ንቤት ምሕደራ ቅርሲ ሓዋርያዊ መንበር ብሓላፍነት ዝተዋህቦም ክልተ ዓበይቲ ሓላፍነት ምሕደራ ዋሕስ ብዝምልከት፡ ኣብ 2023 ዓ.ም. 27.6 ሚልዮን ኤውሮ ቁጠባዊ መኽሰብ ከመልክት እንከሎ፡ እዚ ምሕደራ እዚ፡ ምስ ማሕበራዊ ትምህርቲ ቤተ ክርስቲያን ብዝተሳነየ ኣገባብ፡ ትሑት ሓደጋን ዝተረጋገጸ ማሕበራዊ ጽልዋን ዘለዎ፡ ዘይተጸናጻኒ ዕላማታት ብምስዓብ ዝፍጸም እዩ። እቲ ምምሕዳር ገንዘቡ ኣብ ዓለምለኻዊ ዋሕስ፣ ቀዋሚ እቶት ዘለዎም ዋሕስን ካልኦት ሃብቲ ገንዘብን ንብረታትን ኣውፊሩ፡ ኣብ ውሽጢ በዓል መዚ ሽማግለ ወፍሪ ሃብቲ ገንዘብ ዝበለጸ ረብሓ ብምፍጣር ምውፋር ሃብቲ ገንዘብ ንምብዛሕን ሓደጋታት ንምክፍፋልን ዝዓለመ ንናይ ኩርያ ሮማናን (ናይ ተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስ ናይ ቀረባ ተሓባበርቲ ናይ ቅድስቲ መንበር ላዕልዎት ኣባይቲ ጽሕፈት) ካልኦት ትካላት ቅድስቲ መንበርን፣ ገንዘባዊ ፍታሕን ዕዳጋ ርእሰማልን ተበጻሕነት ሂቡ እዩ። እቲ ንወፍሪ ዝምልከት መምረሒታት ኣብ መንጎ ሓደጋን ካብ ማእከላይ ክሳብ ነዊሕ እዋን ዝጸንሕ መኽሰብን ሚዛናዊ ርክብ ብምህላዉ ዝልለ እዩ።
ምሕደራ ንብረት
ምምሕዳር ቅርሲ ሓዋርያዊ መንበር ልዕሊ ሓሙሽተ ሺሕ ኣሃዱታት ንብረት ብቐጥታ ወይ ምሉእ ብሙሉእ ዝውንኖም ትካላት ኣቢሉ ኣብ ኢጣልያን ወጻእን ዘመሓድሮ ንብረት ከም ዘለዎን: ኣብ ኢጣሊያ 4,249 ኣሃዱታት ከም ዘለዎን ካብዚኦም እቲ 92% ናይቲ ንብረት ኣብ ዞባ ሮማ ዝርከብ ኮይኑ፡ ሮማ ብዝምልከት እቲ ዝዓበየ ምትእኽኻብ ኣብተን ምስ ግዝኣት ሃገረ ቫቲካን ብቐረባ ዝዳወባ ከባቢታት ኮይኑ 64% ኣብ ማእከላይ ዞባ፣ 19% ኣብ ጎረባብቲ ዞባታት፣ 17% ድማ ኣብ ወሰን ዞባታት ይርከብ። ኣብ ወጻኢ ሃገራት (ለንደን፡ ፓሪስ፡ ጀነቭን ሎዛንን) ከምኡ’ውን ኣብ ኢጣልያ ብኣዋፈርቲ ትካላት ዝመሓደሩ ኣሃዱታት ንብረት ድማ ኣስታት 1200 ምዃኑ እቲ ጸብጻብ ይሕብር፡ ምሕደራ ንብረት - ከምቲ ካብ ገንዘባዊ መግለጺታት ዝርአ - መኽሰብ 35 ሚልዮን ኤውሮ (ምስ ናይ ስራሕ ኣታዊታት 73.6 ሚልዮን ኤውሮ ክነጻጸር እንከሎ) ከም ዝሕብርን፡ እደ ጥበባውያን መሳርሒታት ብምትእትታው ድማ ቤት ምሕደራ ቅርሲ ሓዋርያዊ መንበር ካብ ግዜ ናብ ግዜ ዝሓሸ ውጽኢት ንምርካብ ዘለዎ ተወፋይነት ምጉላሕ ግቡእ እዩ።
ንመጻኢ ምጥማት
“ብጀካ እቲ ተራ ንጥፈት - ይብሉ ሊቀ ጳጳሳቲ ፒቺኖቲ - ንመላእ ቤት ምሕደራ ቅርሲ ሓዋርያዊ መንበር ዘሳትፍ፡ እዚ ምምሕዳር እዚ ምስ ስነ - ምግባራዊ ክብርታት ቤተ ክርስቲያን ተሰማሚዑ ገለ ናይ ምምሕያሽ ተበግሶታት ይውጥንን የካይድን እንክብሉ ከም ዝገለጹ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።